Animation | The new Donor Register - Tigrinya

ሓድሽ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ ሕጊ
ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ ሕጊ ኣብ ዕለት 1 ሓምለ 2020 ተቐይሩ።
ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስ-ወከፍ ሰብ ዕድሚኡ 18 ወይ ድማ  ካብ 18 ንላዕሊ ዝኾነ ኣብ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ክምዝገብ እዩ።
ኣብ www.donorregister.nl ዝብል ናይ ኢንተርነት መርበብ ምርጫኹም ትመልኡ።
እምበኣር መጻምድትኹም እውን ይፈልጡ ማለት እዩ። ስድራቤትኩም፣ ዓርኪ ወይ መሓዛ እንተደኣ ድሕሪ ምሟትኩም ክፍሊ ኣካላትኩምን ህዋሳት ኣካላትኩምን ክትልግሱ ድልየት ኣለኩም ኮይኑ።
እንተደኣ ወላሓንቲ ዘይመሊእኩም እንታይ እዩ ዝግበር?
ምርጫኹም ኣይመላኣኩምን?
እምበኣር ምእንታን ከይትርስዕዎ ደብዳቤ ክለኣኸልኩም እዩ።
እንተደኣ ወላሓንቲ ዘይመሊእኩም ኣብ መዝገብኩም 'ክፍሊ ኣካላቱ ንኻልኦት ክወሃብ ተቓውሞ የብሉን' ዝብል ክጸሓፍ እዩ።
ብድሕሪ ሙማትኩም ክፍሊ ኣካላትኩምን ህዋሳት ኣካላትኩምን ንኻልኦት ዝሓመሙ ሰባት ክወሃቡ ይኽእሉ እዮም።
ነዚ ብዝምልከ እቲ ኣብ ሆስፒታል ዘሎ ሓኪም ት ምስ ኣባላት ስድራቤትኩም ክዘራረበሉ እዩ።
እንታይ ኢኹም ክትመርጹ ትኽእሉ?
ኣብ’ቲ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ክፍሊ ኣካላትኩም ክትልግሱ ትደልዩን ኣይትደልዩን ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ወይ ድማ ነዚ ብዝምልከት ካልእ ሰብ ክውስነልኩም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ንኣብነት መጻምድትኹም ስድራቤትኩም ዓርክኩም ወይ መሓዛኹም
ኣብ www.donorregister.nl ዝብል ናይ ኢንተርነት መርበብ ምርጫኹም ክትመልኡ፣ ክትርእዩ ወይ ድማ ክትቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ምርጫኹም መሊእኩም ኣለኹም ዶ?
እምበኣር ምንም ትገብርዎ የብልኩምን።
ምርጫኹም ድማ ኣብ ናይ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ መዝገብ ተመዝጊቡ ኣሎ ማለት እዩ።
ሕቶ ኣለኩም ወይ ድማ ሓገዝ የድልየኩም ኣሎ ድዩ?
ናብ ክፍሊ ኣካላት ምልጋስ ክፍሊ ሓበሬታ ቴሌፎን ደውሉ
0900 - 821 21 66
ወይ ድማ ኣብ www.donorregister.nl ዝብል ናይ ኢንተርነት መርበብ ተወከሱ።